ሓበሬታ ብትግርኛ

„ASESIT Ambulant Betreutes Wohnen“: ንዅሉ ናይ ደገፍዊ-ምንቅስቓስ ኣገልግሎት ወዋሃቢ ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ኦፈንባክ እዩ።

መዓልቲዊ ህይወተካ ብቐሊሉ ክትመርሕ: ካብ ደግዕተኛ ሓራ ክትወጽእን ናይ ህይወት ሽቶታትካ ከተእንግድን ደገፍ የድልየካ’ዶ ይኸውን፧

ASESIT ንእስ ዝበለት: ዝተፈላለየ ባህላዊ ድሕረባይታ ዘለዋ ጉጅለ ኮይና ብመንግስቲ ኣፍሊጦ ዘለዎም ማሕበረ- ሰባዊ ሰራሕተኛታትን ኣስተማሃርቲን ዝቆመት እያ። ናዓኹምን ንሰራድኹምን ግላዊ ድሌት ዘማልእ ሓገዝ: ምኽር፡ ስልጠናን ዝተፈላለዩ መዓልታዊ ደገፋትን ኣብ ገዛኹም ኣገልግሎት ንህብ።

ገለ ካብቲ እንህቦ ደገፋት

  • ኣብ ምድላይ መንበሪ ገዛ
  • ኣብ ጉዳይ ገንዘብ፡ ሰብ-መዚ፡ ወሃብቲ-ሓገዝን ሓኻይምን
  • ምስራዕ መዓልታዊ ህይወት
  • ምሕላውን ምሕያልን ጥዕናን ስምዒታዊ ርግኣትን
  • ምርግጋእ ኣብ ግዜ ማሕበራዊ ግርጭታት: ናይ ህይወት ቅልውላዋትን ውሽጣዊ ማህሰይትን
  • ምምስራትን ምምዕርራይን ማሕበራዊ ዝምድናታት
  • ምድጋፍ ንማሕበራዊ ተሳትፎ
  • ምድላይ ስራሕ: ስልጠናታት: ላዕለዋይ ትምህርትታትን መዘናግዒ ንጥፈታትን
  • ምስፋሕ ምንቅስቃስኩም፡ ምሕጋዝ ኣብቶም ካብ ገዛ ወጻኢ ዝግበሩ ባህላዊ: ሃይማኖታዊ ከምኡውን ንምዝንጋዕ ዝኸውን ንጥፈታት
  • ወዘተ…

ንመን ንሕግዝ

ኣገልግሎታትና ንዝኾነ ዕድመ ዝኣኸለ ሰብ ኮይኑ፡

  • ኣካላዊ፡ የእምሮኣዊ ይኹን ሓሳባዊ ብድሆታት ዘለዎ
  • ልዕሊ 18 ዕድመ
  • ተቐማጣይ ምምሕዳር ኦፈንባክ
  • ናይ መንበሪ ፍቃድ ዘሎዎ
  • ንበይኑ፡ ምስ ስድርኡ፡ ምስ ናይ ህይወት ካልኣዩ ወይ ምስ ካልኦት ዝነብር ወይ ከኣ ክነብር ዝደሊ
  • ብመሰረት German Social Assistance Act (Section 90 and following SGB XI) ደገፍዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክቅበል ዝኽእል

ዝምልከቶም ኣካላትን ሓርፉፍ ክፍሊትን

ብመሰረት ናይ ጀርመን ማሕበራዊ ሕጊ: ዝኾነ ሰብ ግዚየዊ ዘይኮነ ኣካላዊ: ኣእሙራዊ ወይ ሓሳባዊ ስንክልና ዘለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ክረከብ ሕጋዊ መሰል ኣለዎ።

መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ወጻኢታት ናይ ሓገዝ ብናይ ከባቢ ማሕበራዊ ሓገዝ ዋሃቢ ትካል (ማለት ብ „Landeswohlfahrtsverband“ ናይ ሃገረ ሀሰ LWV) እዩ ዝሽፈን። (ብገዛእ ርእሶም ክከፍሉ ንዝደልዩ ድማ፡ እቲ ወጻኢታት ኣካል ናይ ግላዊ ውዕል ባዕሎም ክሸፍንዎ ይኽእሉ እዮም ። )

እዚ መንግስታዊ ሓገዝ ዝግብኣኹም እንተድኣ ኮይኑን እቲ ሓገዝ ነቲ ዘድልየኩም ኣገልግሎት ዝሽፍን እንተድኣ ኮይኑን ንምፍላጥ ትካልና ASESIT ክትሕግዘኩም ድልውቲ እያ።

ስለዚ ርግጸኛታት እንተዘይኮይንኩም፡ ብዘይ ስክፍታ ሕተቱ። ምስ LWV ብምትሕብባር፡ እቲ ንዓኹም ዝመልከት ሓገዛት ንምፍላጥ ክንድግፈኩም ኢና። (እዚ ኣገልግሎት ብዘይ ክፊሊት ምዃኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ! )

ASESIT ንሓደስቲ ዓማዊል ኣገልግሎት ንምሃብ ኣፍደጌኣ ኩሉ ግዜ ክፉት እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረቋሒታት እንተደኣ ተማሊኡ : ዕድመኹም፡ ጾታኹም፡ ምቦቀልኩምን ኣራኣእያኹምን ንትካልና ኣየገድሳን እዩ።

ብኸመይ ንሰርሕ

ምሰ ዓማዊልና እቲ ንህቦ ኣገልግሎት ኣብ ገዝኦም ኮይኑ ንዝተወሰነ ሰዓት ኣብ ሰሙን ይፍጸም ፡፡

ኩሉ ኣገልግሎትና ኣብ ነጻ ውሳኔ ናይ ተጠቃማይ ንምሕያል እዩ፡፡

ድልየት ASESIT ጽላል ናይ ተጠቀምታ ክትከዉን እያ ትደሊ፡፡ ኹሉ ስራሕና ኣብ በሰብአዊነት ኣንጻር ኩሉ ኣድልዎ፣ በሆሊማዊነት ፣ በተሳትፎ ፣ በፍሊልይ ባህልን ፀረ-አድልዎ መምርሒ ዝተመሠረተ እዩ ፡፡

ኣገልግሎትና በዞም ዝስእቡ ቋንቋታት ንሂብ-

  • አማርኛ
  • አረብኛ
  • እንግሊዝኛ
  • ክሮኤሽያን
  • ሰሪቢያን
  • ትግርኛ

ሕቶ ኣሎካ ብንህቦ ኣገልግሎት?

ምሳና ርክብ ክትፈጥር ትደሊዶ?

ብቅጥታ ወይ ብ ቴለፎን ወይድማ ብ ኢመይል ክትረክበና ትኽ እል ኢኻ!

Contact:

አብርሃም አፈወርቂ

Social Pedagogue

email: info@asesit.de

mobile: 0177 25 91 60 4 (Monday – Friday, 9 a.m. to 5 p. m.)

tel.: 06103 38 63 67 3 (Monday – Friday, 9 a. m. to 5 p. m.)

fax: 06103 38 63 65 6

ኣብ ማሕበራዊ ገጽና ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክቡ ትኸእሉ

ASESIT GmbH Ambulant Betreutes Wohnen

adress: Walter-Kolb-Straße 1–3, 60594 Frankfurt am Main

Übersetzen